መልእኽቲ ጽንዓትን ምሕዝነትን ናብ ተቓለስቲ ንፍትሒ እስራኤልን መላእ ዓለምን 

ብቐዳምነት እዚ ብናይ ህግደፍ ተለኣኣኽትን ኣሸበርትን ኣብ ልዕሊ ብሉጻት መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ዝተወስደ ናይ ቅትለት ስጉምታት ንኹንን። ነቶም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዝተቖጽዩ መንእሰያት መንግስተ ሰማያት፡ ንስድራቤታቶምን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት፡ ነቶም ዝተጎድኡ ምሉእ ጥዕና ንምነ፡ ንተግበርቲ ገበን ድማ ብቑልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንጽውዕ።  

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ህዝብና ሰላም ረኺቡ ብዘይ ስክፍታ ናብርኡ ክመርሕ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ፡ ናይ ህግደፍ ኢድ ኣእታውነት ደው ክብል ክኽእል አለዎ። ከም’ቲ ኩልና ንፈልጦ፡ ህግደፍ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እታ ሓንቲ ዝመልካን ትሰርሓለይ ኢያ ኢሉ ዝኣምናን ራዕዲ ምፍጣር ስለ ዝኾነት፡ ብራዕዲ ክቆጻጸረናን ንሓሳብናን ኩሎም ንጥፈታትናን ናብ ረብሕኡ ከውዕሎምን መዋእሉ ምስ ጸዓረ ኢዩ። ህግደፍ ነፊዑ ዘይኮነ፡ ከም ህዝቢ ብግቡእ ንጸላኢና ኣለሊና፡ ንናይ ህግደፍ ራዕዲ ከምክን ብዘኽእል ኣወዳድባን ስልትን ክንምክቶ ስለ ዘይከኣልና ኢና ክሳብ ሎሚ ሰንከልከል እንዳ በለ ዝገዝኣና ዘሎ። ብምንጽጻር፡ ብርጌድ ንሓመዱ ካብ’ቶም ቅድሚኡ ዝመጹ ምንቅስቓሳት ብዝሓየለ ነድሪ ተለዓዒሉ ምምጽኡን ውጺኢታዊ ዓወታት ምምዝጋቡን፡ ንህግደፍ ድቃስ ስለ ዝኸልኦ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ንምቍጻይ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ንርኢ ኣለና። እምበኣርከስ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንፍትሒ ብዝወሓደ ዋጋ ዝበለጸ ዓወት ከመዝግብን ፍትሓዊት ኤርትራ ከምጽእን ነዞም ዝስዕቡ ለበዋታት ነመሓላልፍ። 

  1. ኣብ’ዚ ተኣፋፊ ግዜ እዚ፡ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ዘለዎ እቶም ተግበርቲ ገበን ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ መንገድታት ምርካብ ኢዩ። ሂወት መንእሰያትና ክሓልፍ ኢድ ዝነበሮም ኩሎም ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ሰፊሕ ዘመተን ዝተወሃሃደ ስራሕን ክጅመር ንጽውዕ። 
  1. ዝኾነ ይኹን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኣባል ደምበ ፍትሒ ኣብ ድብያታት ኣሸበርቲ ህግደፍ ከይኣቱ ልዑል ጥንቃቐታት ክገብርን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓድሕድ ክተሓላለዉን ነዘኻኽር። 
  1. ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ ቅትለታትን መጉዳእትን ናይ ጸትታ ሃጓፋትን ተጽንዕ ሓንቲ ኮሚተ ብቕልጡፍ ቆይማ፡ ንጠንቅታት ናይ ዝሓለፉ ሓደጋታትን ንመጻኢ ከገልግሉ ዝኽእሉ መፍትሒታትን ክትምርምር ንምሕጸን። ከም ኣድላይነቱ፡ እታ ኮሚተ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብናን ሃገራትን ክትቀውም ትኽእል።  
  1. ቃልሲ ንፍትሒ ሓይሉ ንኽወጽእን እንዳ ሰፍሐ ክኸይድን ስጡም ናይ ውደባታት ስራሕ ክሰላሰል ንጽውዕ። ዝተወደበ ሓይሊ ዝደፍሮ ስለ ዘይብሉ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ንዝሓለፉ ተመክሮታት ገምጊሙ፡ ብዝሰፍሐ መንገዲ ክውደበሉ ዝኽእል መደብ ክሕንጽጽ አለዎ። 
  1. እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንፍትሒ፡ ብዝወሓደ ዋጋ ዝበለጸ ዓወት ክንሓፍሰሉ እንኽእለሉ ስትራተጂ ምትላም እውን ከድልየና ኢዩ። እዚ ስትራተጂ እዚ ንዓይነትን ኣቃውማን ኣካይዳን ጸላኢና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። 
  1. ብደረጃ ዓለም ዝግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብዝተወሃሃደን ምእኩልን ኣገባብ ተታሒዙ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ይኹን ካልኦት ናይ ደምበ ፍትሒ ውድባትን ማሕበራትን ብመንገዲ ትካላተን ኣቢለን እጃመን ከበርክታሉ ዝኽእላ መንገድታት ክፈጥራ ንጽውዕ። በዚ መንገዲ እዚ አቢለን ድማ ምሕዝነተንን ትካላዊ ኣሰራርሕአንን ከማዕብላ ይኽእላ። 

ንሕና አባላት ትካል ምርምር ኤርትራውያን ንፖሊስን ስትራተጂን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝብናን እቶም ፍትሓዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ መንእሰያትናን ከም ዘለና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኣብ እስራኤ ዘሎ ንጹህ ህዝብና ካብ ናይ ህግደፍ ኢድ ኣእታውነት ነጻ ወጺኡ ብሰላም ናብርኡ ክመርሕ ካባና ዝድለ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከነበርክት ድሉውነትና ነረጋግጽ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ኣብ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ ግብረሽበራዊ ተግባራት ህግደፍ ብሓደ ድምጽን ብዝተወሃሃደ መንገድን ክምክትዎ ለበዋና ነመሓላልፍ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ኣብ እስራኤል ሂወት መንእሰያት ዝሓትት ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ራዋን ምዕባለን ንኽረጋገጽ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ንስድራቤታትን መቃልስትን እቶም ኩቡር ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ መንእሰያትና ብገንዘብን ጸሎትን ሞራልን ክተሓጋገዞም ጻውዒትና ነቕርብ። 

ጽንዓትናን ምሕዝነትናን ይሓይል! 

ትካል ምርምር ኤርትራውያን ንፖሊስን ስትራተጂን 

ግምቦት 31, 2024