መግለጺ ደገፍ ንዕዉት ሰሚናር ብርጌድ ንሓመዱ (ሰማያዊ ሰውራ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ)

ጥሪ 28 2025
ናብ ኣዳለውቲ፡ ተሳተፍትን ኩላትኩም ጀጋኑን ተባዓትን ተቓለስትን
ነቲ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ኤርትራ፡ ዝገበርኩምዎ ዕዉት ሰሚናር መጽናዕቲ፡ ምሉእን ልባዊን ድጋፍና እናገለጽና፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና ንብል። እምበኣርከስ ሕጂ: ኣብ ሓድሽ ክውንነት ዘረጋግጽ ባይታ በጺሕና ከምዘለና ኣረጋጊጽና ኣለና፡:
እዚ ድማ፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕርኹም መስዋእትኹምን ተወፋይነትኩምን ኮይኑ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዛዛሚ መስመር ዓወት ንምብጻሕ ምቕራብና ዘመልክት እዩ። ንሕና ድማ፡ ክሳብ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዕላማና፡ ማለት ናጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንበጽሕ፡ ኣብ ጎንኹም ደው ከምንብል ንገልጸልኩም።
ትካል ምርምር ኤርትራውያን ንፖሊስን ስትራተጂን (ERIPS)