ጽልዋታት ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓትን ዉሕስነትን መግቢ ኣብ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ

COVID-19 & Food Security in Developing Countries: A Special Focus on Eritrea 

ዶ/ር ክብሮም ታደሰ ስብሃቱ 

Department of Agricultural Economics and Rural Development 

Georg-August University of Goettingen, Germany 

ሓምለ 2022 

መጠርነፍታ 

ሕማም ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) SARS-CoV-2 ቫይረስ ዘስዕቦ ተላባዒ ሕማም እዩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ጥዕና፡ ቁጠባዉን ማሕበራዉን ጽላታት ዓለምና ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ቅልውላው ሸሚምዎ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየትን ድኽነትን ተዋሒጦም ይርከቡ። ቅኑዕን ቅልጡፍን ስጕምቲታት እንተዘይተወሲዶም ከኣ፡ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ሰባት እናወሰኸ ክኸይድ እዩ። ኣብ’ዛ ጽሕፍቲ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ብምንቃድ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኤርትራ እትርከበሉ ብትሕተ-ሳህራን ሳሕልን ዝፍለጥ ዞባታትት ኣፍሪቃ፡ ስለምንታይ ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓትን ውሕስነትን መግቢ ከበድቲ ሃስያታት ከምዘዉረደን የዉርድ ከምዘሎን ከብርህ ፈቲነ ኣለኹ። ሳዕቤናት ኮቪድ-19ን ዉሕስነት ዘይብሉ ስርዓተ መግብን ብኸመይ ክቃለል ከም ዝኽእል’ውን ብሕጽር ዝበለ ተንቲነ ኣለኹ። ሰናይ ንባብ። 

ቀንዲ ቓላት: ኮቪድ-19፣ ዉሸባ፣ ስርዓተ መግቢ፣ ዉሕስነት መግቢ፣ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ 

  1. መእተዊ 

ለበዳ ኮቪድ-19 ክሳብ ሕጂ (ሓምለ 7 2022) ልዕሊ 558 ሚልዮን ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ። ካብ‘ቶም ዝተለኽፉ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ብብዝሕን ጻዕቅን ህዝባ (1.3 ቢልዮን ህዝቢ ወይ 18% ናይ ዓለምና ህዝቢ) ንኤስያ ስዒባ ካልአይቲ ትስራዕ። እዚ ድሕረ ባይታ እናሃለወ ግን፡ ብጠቕላላ 2.6% (12.4 ሚልዮን) ካብ ህዝባ ጥራይ እዮም ዛጊት ተለኺፎም ከምዘለዉ ወግዓዉያን ጸብጸባት ዝሕብሩ። ምስ ካልኦት ኣህጉራት ኣወዳዲርካ ኣፍሪቃ ትሑት መልከፍቲ ኣመዝጊባ ትርከብ። ኣብ ኤርትራ 9,811 ሰባት (0.14%) ጥራይ ክልከፉ እንከለዉ፡ 103 ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ (ስእሊ 1 ተመልከት/ቲ)። ነዚ ትሑት መልከፍቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣርባዕተ ቀንዲ ምኽንያታት ከምዘለዉዎ መጽናዕትታት ይሕብሩ (Nordling, 2020)። 

ቀዳማይ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ንዋታዉን ሰብኣዉን ሕጽረት፡ እኹልን ብቑዕን መርመራን ዳህሳስን ኣይገበራን ይገብራ‘ዉን የለዋን። ስለዚ ብዙሓት ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ መዝገብ ናይ ዝተለኽፉ ይሰፍሩ የለዉን ማለት እዩ።  

ካልኣይ፡ ከም ዝፍለጥ ኮቪድ-19 ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እዩ ዝያዳ ዘጥቅዕ ወይ ምልክታት ሕማም ዘርኢ። ኣብ ኣፍሪቃ ግን፡ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ወድሰብ 19 ዓመት ጥራይ ምዃኑ ይግምገም። እዚ ማለት ከኣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣፍሪቃ መንእሰይ ስለዝኾነ፡ ዋላ ብኮቪድ-19 እንተተለኽፈ ዝኾነ ምልክታት ኣየርእን፡ ናብ መመርመሪ ቦታን ሕክምናን’ዉን ኣይከይድን ኣሎ ማለት እዩ። 

ሳልሳይ፡ ኩነታት ክሊማ ኣብ ኣፍሪቃ ምዉቕ ስለዝኾነ፡ እዞም ብኮሮና ብዝብል ቅጽል ዝጽዉዑ ዓይነት ቫይረስ ምውቕን ድሩቕን ክሊማ ብዙሕ ኣይሰማምዖምን እዩ። ስለዚ ብተዛማዲ ናይ ኣፍሪቃ ክሊማ ንኮሮና ዘይሰማምዖም ክኸዉን ይኽእል እዩ። 

ኣብ መወዳእታ፡ ብተዛማዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ክፍላተ ዓለም ድሩት ርክብ ስለዘለዋን ሕጽረታት መጉዓዝያ ካብን ናብን ኣብ ውሽጥን ደገን ንርክባት ሰባት ስለ ዝድርቶን ውን ክኸውን ይኽእል። 

ስእሊ 1፦ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ ካብ መጋቢት 2020 ክሳብ ሓምለ 2022.  

ኤርትራ ካብ ዓለምና እቲ ዝወሓደ ዝርገሐ መመርመሪ ነቑጣታት ስለዘለዋ፡ ቁጽሪ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ካብቲ ብመንግስቲ ዝዝርጋሕ ኣሃዝ ዝያዳ ከምዝዓቢ ይግምገም (Ritchie et al., 2022)። 

ነዉጺ ኮቪድ-19ን ዉሸባን ንብዙሓት ካብ ህዝቢ ዓለም ናብ ኣደዳ ሽቕለት-ኣልቦነትን ድኽነትን ሸሚምዎም ይርከብ። ዛጊት ተገይሮም ብዘለዉ ኣፈናዊ መጽናዕትታት፡ ኣብ 2022፡ ብዝሒ በተኻት (ብኣህጉራዊ ተመጣጣኒነት ንመዓልቲ ትሕቲ 1.9 ዶላር ዝግመት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት) ብልዕሊ 193 ሚልዮን ሰባት ከምዝወሰኸ ይግምገም (FAO, IFPRI, WFP, 2022)። ካብ እዞም ድራር ዕለቶም ከይለኸፉ ዝሓድሩ በተኻት፡ እቶም 40% ኣብቲ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዞባ ኣፍሪቃ ከምዝነብሩ ይንገር። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ክዉስኽ ሙዃኑ መጽናዕታት ይሕብሩ (FAO, IFPRI, WFP, 2022)። ብተወሳኺ፡ ነዉጺ ኮቪድ-19 ኣብ ዓይነትን ብዝሕን መግብታት፡ ስርዓተን ዉሕስነትን መግቢ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣዉሪዱ ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ናይ ስርዓትን ዉሕስነትን መግቢ ጉድኣት’ዉን ኣብተን ኣብ ትሕተ-ሳህራ ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ዝያዳ ከምዝተኻፈአ ይግለጽ (Ayanlade and Radeny, 2020)። 

ስለምንታይ ግን እተን ኤርትራ እትርከበን ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ዉሑድ መልከፍቲ እንከለወን ግን ስርዓትን ዉሕስነትን መግቢ ናይ’ዚ ዞባ ዝያዳ ካብ ኮልኦት ዞባታት ናይ ዓለምና ተሃስዩ? ነዉጺ ኮቪድ-19 ንዝተናወሐ ግዜ’ኸ እንታይን ክንደይን ስንብራት ክገድፍ እዩ? ንምምካቱ’ኸ እዘን ሃገራት እንታይ ዓይነት ምድላዋትን ንጥፈታትን ክወስዳ ይኽእላ? 

ዕላማ ናይዛ ጽሕፍቲ እምበኣር ነዘን ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ንምምላስ እዩ። በታ ቀዳመይቲ ሕቶ ክንጅምር። 

  1. ስለምንታትይ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ትሕተሳህራ ዝያዳ ሃስያ ኣዉሪዱን የዉርድ ኣሎን? 

ብዙሓት ምኽንያታት እኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ቀንዲን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑን ምኽንያታት ኣብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት አጠቓሊልካ ምቕራብ ይከኣል። 

  1. ዝበዝሑ ዜጋታት እዘን ሃገራት ዋላ ኣብ ንቡር እዋን ዉሕስነት መግቢ የብሎምን።  

ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ናይ ዓለምና ዝኸፈአ ድኽነት ከምዘለወን ይንገር። ዋላ ኣብ ንቡር እዋን፡ ልዕሊ 50% ህዝቢ እዘን ሃገራት ኣብ ድኽነት ምስ ተሸመመ እዩ (FAO, IFPRI, WFP, 2022)። ኣብ ኤርትራ፡ ዋላ እኳ ወግዓዊ ጸብጻብት እንተዘየለዉ፡ ካብ 70-80% ህዝቢ’ታ ሃገር በተኽ ምዃኑ ይግምገም (FAO, IFAD, UNICEF, WFP, WHO, 2022)። እዚ ኣሃዝ’ዚ ንኤርትራ ብድኽነት ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ይገብራ። ስለዚ፡ ኣብዘን ኣብ ሃገራት ትሕተሳህራ ኣፍሪቃ፡ ይትረፍ‘ዶ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ነዉጺ ኮቪድ-19፡ ንእሽተይ ነዉጺ እንተ ኣጋጢሙ’ዉን ከቢድ ሳዕቤን እዩ ዘኸትል። 

  1. ምምስራሕን ምዝርጋሕን መግቢ ብልምዳን ጥንታዉን ኣገባብ ስለዝካየድ።  

ልምዳዉያንን ጥንታዉያንን መስርሓት ከኣ ብቐሊሉ ተነካእቲ እዮም። ንኣብነት፡ ሕርሻ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉልበት ሰብን እንስሳን ዝተሞርኮሰ እዩ። እቶም ዝፈረዩ ምግብታት‘ዉን ካብቲ ዝፈረይሉ ቦታ ናብቲ ዝሃልክሉ ከተማታትን ገጠራትን ብኣእዱግ፡ ኣግማል፡ ካሮሳታትን ብፍርጅ (መዝሓሊ) ዘይብለን መኻይንን ኣብ ሓርፋፍ ጽርግያ ይጉዓዝ። ስለዚ ንምፍራይን ምዝርጋሕ መግብታት ብልምዳዉን ጥንታዉን ኣገባባት ምምርኳስ ሓደ ካብቲ ዓቢ ጠንቂ ድኽነትን ጥምየትን ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድሕረ-ባይታ እንከለዋ ከኣ፡ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ሰብን ናይ ብሕቲ መኻይንን ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ከይንቀሳቐስ ከልኪለን። ኤርትራ ዝወሰድቶ ናይ ምዕጻው መስርሕ እቲ ዝነዉሐን ዝኸበደን ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ (Kubinec et al., 2021)። ህዝቢ ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ ወይ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ከይንቀሳቐስ ምኽልካል ማለት ንስርዓትን ዉሕስነትን መግቢ ምስንኻል ማለት እዩ። ስለዚ ዉሸባ ነቲ ዝነበረ ድኽነትን ጥምየትን ኣግዲድዎ እዩ።  

  1. መብዛሕትኦም ዜጋታትን ኣብ ዘይስሩዓት ጽላታት ስራሕ ስለዝሰርሑ።  

ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዉሕስነት ዘይብሎም ናይ ሕርሻ፡ ስነዓ፡ ህንጻ፡ ሸቐጣ-ሸቐጥን ይሰርሑ። ነዞም ዘይዕላዉያን ጽላታት ዝድግፍ ወይ ዝድግፉ ናይ ሽቕለት-ኣልቦነት ድሕነት (unemployment benefits) ከኣ የብለንን። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ 80% ህዝባ ኣብ ናይ ካብ ኢድ-ናብ-ኣፍ ሕርሻ ይሰርሕ (Thelwell, 2019)። ኣብ ከተማ እንተኾነ’ዉን ብዙሕ ሰብ ብመንግስቲ ኣብ ዘይፍለጡን ዉሕስነት ዘይብሎምን ናይ ዕለቱ ሸቐጣ-ሸቐጥን ናይ ጉልበት ስራሕን ይሰርሑ። መንግስቲ ከኣ ናይ ስነዓ፡ ህንጻን ሸቐጣ-ሸቐጥን ስራሓት ዓጽይዎም። ምዕጻዉ እዞም ዘይወግዓዉያን ዓይነታት ስራሕን ሰባት ከይንቀሳቐሱ ምኽልካልን ማለት እምበኣር ንብዙሓት ሰባት ብቐጥታ ናብ ገደል ድኽነትን ጥምየትን ሸለዉ ምባል ማለት እዩ። 

  1. ንካብ ስራሕ ደው ዝበለ ኣታዊ ዘይብሉ ዜጋ ዝድግፍ ናይ ፊናንስን ማሕበራዊ ደገፍ (ማሕበራዊ ድሕነት) ስለዘይብለን።  

ኣብታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ከምዝጠቐስክዎ፡ ድኻታት ሃገራት ንዜጋታተን ንዝድግፉ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት (social safety net) የብለንን። ስማዊ ብሃብታማት ሃገራት ዝምወል ረዲኤት ይገብራ እየን። እዚ ግን ይትረፍ ዶ ኣብ ግዜ ከቢድ ነዉጺ፡ ኣብ ንቡር እዋን’ዉን እኹል ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ድኻታት ልዕሊ 70% ኣታዊታቶም ኣብ መግቢ ከምዘጥፍእዎ ይግምገም። ስለዚ ስራሕ የለን፡ ማሕበራዊ ድሕነት የለን፡ ማለት ንህዝቢ ናብ ድኽነትን ጥሜትን ምእታዉ ማለት እዩ። 

  1. እቶም ንድኻታታ ደገፍ ዝህቡ ፕሮግራማት/መደባት ኣብ ግዜ ዉሸባ ስለዝተዓጽዉ።  

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓያለ ዘይወግዓዉያን ትካላት ንድኻታት ናይ መግብን ንዋትን ደገፍ ይገብራ እየን። ኣብ ቅድሚት ክጥቀስ ዝከኣልን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዉቱር ዝኾነን ኣብነት ቁርስን ምሳሕን ንተመሃሮ ኣብ ቤትምህርቲ ምሃብ እዩ። እዞም ናይ ቁርስን ምሳሕን ፕሮግራማት ብዝያዳ ንደቂ ድኻታት እዮም ዝዕንግሉ። ኣብ ግዜ ኮቪድ ስለዝተዓጽዋ (ኣብ ኤርትራ መብዛሕተኤን ዘይመንግስታዉያን ወሃብቲ ደገፍ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ተዓጽየን ነይረን) ግን፡ ብዙሓት ህጻናት ብዋሕዲ መግቢ ከም ዝሳቐዩ ገይሩዎም ኣሎ። 

  1. ለበዳ ኮቪድ-19 ንዝተናወሐ ግዜ እንታይን ክንደይን ስንብራት ክገድፍ እዩ 

ጽልዋታት ለበዳ ኮቪድ-19 ንንዉሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሕ ሳዕቤን ከምዘለዎ ብዙሓት መጽናዕታታት ይእምቱ። ብፍላይ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናብ ናይ ንቡር ሓዲድ ምዕባለ ክምለሳ ዓመታት ክወስደለን ምዃኑ ይግምገም። እቶም ቀንዲ በዳህቲ ዝበሃሉ ግን እዞም ዝስዕቡ እዮም።  

  1. ኣብ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ሰፊሕ ክታበት ንኽወሃብ ክሳብ 5 ዓመት ከወስድ ተኽእሎ ኣሎ።  

ድኻታት ሃገራት፡ ኣዝዩ ክቡር ክታበት ኮቪድ-19 ክገዝኣ ዓቕሚ የብለንን። ኣብ ዜናታት ከም እንሰምዖ ዘለና፡ ይትረፍ ዶ እተን ድኻታት ሃገራትስ፡ እተን ሃብታማት’ዉን ኣብ ምርካብን ምምቕራሕ ክታበት ብጣዕሚ ይሽገራ ከምዝነበራን ዘለዋን እዩ። እቲ ቀንዲ ኣሰደማሚ ግን ብዙሓት ድኻታት ሃገራት፡ ነቲ ዝፍጠረለን ዘሎ ናይ ህዝበን ምኽታብ ዕድላት ብዝግባእ ይጥቀማሉ ዘይምህላወን እዩ። ብመንገዲ ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣቢሉ ድሩት ናይ ደገፍ ዕድላት እኳ ይፍጠረለን እንተሎ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ክሳብ እዚ ጽሑፍ እዚ ዝጸሓፍ፡ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ምሃብ (ብዘይካ ንዉሱናት ሓለፍቲ) ከምዘይጀመራ ይንገር (ስእሊ 2 ተመልከት/ቲ)። ከምዚ ዓይነት ዛሕልታት እተዘይ ኣወጊደን እዘን ሃገራት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ሰፊሕን ተደጋጋምን ናይ ዉሸባ ስጉምትታት ክወስዳ ተኽእሎ ኣሎ።  

  1. ናይዘን ድኻታት ሃገራት ጃምላዊ ዜባታዊ እቶት (GDP) ቀኒሱ ኣሎ (Gern et al., 2021)።  

እዚ ማለት ከኣ ኣብ ትሕተ-ቕርጺን ንዕቤት ዘድልዩ ወፍርታት ደኺሙ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ከይኣክል ከኣ፡ ከም በዓል ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ኣብ ኲናት ተጸሚደን ኣለዋ። ለበዳ ኣንበጣ’ዉን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ጉድኣት ኣዉሪዱ ኣሎ። ንዝመጽእ ዓመታት’ዉን፡ እቲ ወራር ኣንበጣ ብዝኸፍአ ክርአ ምዃኑ መጽናዕትታት ይእምቱ (Devi, 2020)። ስለዚ ‘ካብታ ዘላታ ተወሰኸታ’ ከምዝበሃል፡ ብሰንኪ ባህርያዊ ለበዳታት ኮቪድ-19ን ወራር ኣንበጣን ከምኡ’ዉን ኲናትን ደርቅን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ነዘን ድኻታት ሃገራትን ነቲ ተዳኺሙ ዘሎ ቁጠብአን ናብ ንቡር ክመልሳ ዓመታት ክወስደለን ምዃኑ መጽናዕትታት ይግምግሙ።  

  1. ካብ ገያሾን በጻሕቲን ዝረኽበኦ እቶት ተቛሪጹ።  

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቱሪዝም ብርክት ዝበለ ኣታዊታት እየን ዝረኽባ። ብድሞር፡ ቱሪዝም 9% ናይ ኣፍሪቃ ጃምላዊ ዜበታዊ እቶት ይሽፍን። ብሰንኪ ነውጺ ኮቪድ-19 ግን ምብጻሕ ገያሾ ተቋሪጹ ኣሎ (Musavengane and Leonard, 2022)። ንኣብነት፡ እቲ ብብዙሓት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ዝሳተፍዎ ዓመትመጸ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ 2020ን 21ን ኣይተኻይደን። እዚ’ዉን ንባዕሉ ንመንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ናብ ድኽነት ክሸመን እዩ።  

ስእሊ 2፦ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን እተን ክታበት ዘይሃባ እንኮ ሃገራት 

ምንጪ፦ (Ritchie et al., 2022)  

  1. ሓደ ወለዶ ምሉእ ግቡእ ትምህርቲ ክይረኸበ ኣብ ድኽነት ክሕየር ተኽእሎ ኣሎ።  

ኣብ ግዜ ዉሸባ ኩለን ሃገራት ንኹሉ ዓይነታት ቤት-ትምህርታት ዓጽየን ነይረን። ኤርትራ ንኣብነት፡ ሓንቲ ካብተን ንዝነዉሐ ግዜ ንቤት ትምህርታት ዝዓጸዋ እያ (መጋቢት 2021 – ሚያዝያ 2021)። ብዙሓት ሃገራት ብመንገዲ ኢንተርነትን ቴለቪዥንን ገይረን ትምህርቲ ክዝርግሓ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ አዝዩ ድኹም ናይ ኢንተርነትን ናይ ጸዓትን ዝርገሐ ነዞም ዋላ ኣብ ኣማዞን ተዘርጊሖም ዘለዎ ምዕቡል መሳለጥያታት ትምህርቲ ክትጥቀመሎም ኣይከኣለትን። ብሰንኪ እዚ ድማ ሓደ ወለዶ ምሉእ ግቡእ ትምህርቲ ክይረኸበ ኣብ ድኽነት ክሕየር ተኽእሎ ከምዘሎ ተመራመርቲ ይግምግሙ (Hossain, 2021)።  

  1. ብዙሓት ተመሃሮ ድሕሪ ዉሸባ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይክምሱን’ዮም። 

ካልእ ምስ ትምህርትን ጽልዋ ኮቪድ-19ን ዝተኣሳሰር ከኣ ብዙሓት ተመሃሮ ድሕሪ ዉሸባ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይክምለሱን’ዮም። ምናዳ ከኣ ኣዋልድ. መጽናዕታታት ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ገጠራት እዘን ሃገራት መርዓታት ገኒኖም ከምዘለዉ ይንገር(World Vision, 2021)። ብሰንኪ ስድራቤታት ኣብ ድኽነት ምሽማሞ ከኣ ብዙሓት ንስድራቤታቶም ንምጥዋር/ ንምድጋፍ ካብ ትምህርቲ ክርሕቁ ኣዮም።  

  1. ኣብ ምዕባይ ቆዑ ዓበይቲ ብድሆታት ከጋጥሙ እዮም።  

ኣብ ድኻታት ሃገራት ድኹም ርድኢት ዉጥን ስድራቤታት ኣሎ። ብድሩት ዓቕሚ እንተሃለወ’ዉን፡ ንዘይተደልየ ጥንሲ ክከላኸሉን ክሕግዙን ዝኽእሉ ትካላትን መሳሪሒታትን ዳርጋ የለዉን። ብተወሳኺ፡ ሃይማኖታታትን ባህልን ኣብ ድኻታት ሃገራት ከኣ ንዉጥን ስድራቤት ብዙሕ ደገፍ ኣይህቡን እዮም። ስለዚ ብሰንኪ ነውጺ ኮቪድ-19 መጠን ፍርያምነት (ቆልዑ ምውላድ) ክዉስኽ ምዃኑ ይግምገም (Kumar, 2020)። ብዙሓት ስድራቤታት (ብዉህሉል ከኣ ሃገራት)፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ምዕባይ ቆልዑ ክሽገራ ምዃነን ይንገር።  

  1. ኣብ ትሕቲ ለበዳ ኮቪድ-19 (ካልኦት ነውጽታትን) – ብኸመይ ዉሕስነት መግቢ ከነንከባኽብ ንኽእል 

ኣብ ላዕሊ፡ ኮቪድ-19 ንኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝያዳን ንዝተናውሐ ግዜን ጉድኣት ከዉርድ ምዃኑ ርኢና። እቲ ስዒቡ ዝልዓል ሕቶ እምበኣር፡ እዘን ድኻታት ሃገራት ነዚ ዝወርድን ክወርድ ምዃኑን ዝግመት ዘሎ ከብድቲ ጉድኣታት ብኸመይ ከቃልሎኦን ክምክትኦን ይኽእላ ዝብል እዩ። ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ መንገድታት ዝበልኩወን ጠርነፍቲ ሓሳባት ከፋፊለ ነዛ ሕቶ ክምልሳን ከብርሃን ክፍትን እየ። 

  1. ንዘላቒን ቀጻልነት ዘለዎን ዉሕስነት መግቢ ስሉጥ ኣህጉራዊ ንግዲ የድሊ።  

ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሸበድበድ፡ ብዙሓት ኣፍረይቲ ሃገራት ናይ መግቢ ሰደድ ከልኪለን ነይረን። ብፍላይ እተን ኣእካል ዘፍርያ ሃገራት ከም በዓል ሩስያ (ስርናይ)፡ ቬትናምን ታይላንድን (ሩዝ)፡ ህንዲ (ቀመማትን ብርስንን) ካብ ሃገረን ንሰደድ ከይለኣኽ ከልኪለን ነይረን። እዚ ሰደድ ናይ ምኽልካል መስርሕ፡ ኣብ ሸመትቲ ሃገራት ንዋጋትት መግቢ ንሓጺር ግዜ ካብ ንቡር ንላዕሊ ከም ዝንህር ገይሩዎ ነይሩ። እዚ ግን ክኸዉን ዘይነበሮን ግጉይ መስርሕን እዩ ነይሩ። ግጉይ ምዃኑ ድሒሩ ክርድኤን ምስ ጀመረ ግን፡ ሰደድቲ ሃገራት ወደባተን ዳግማይ ከፊተን መግቢ ንሰሰድ ይሰዳ ኣለዋ (ምጉንዳብ ንግዲ ብሰንኪ ኩናት ራሻን ዩክሬንን ገዲፍካ)። በኣንጻሩ፡ ገለ ድኻታት ሃገራት ንዘቤታዊ ፍርያምነት ጥራይ ኣተኲረን ወደባተን ንንግዲ ዓጽየንኦ። ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ቀዳምነት እያ ትስራዕ። ርእሰ-ምርኮሳ ብዝብል ኣቐዲማ ዝሓንጸጸቶ ፓሊሲ ተሓጊዛ ንዜጋታታ ኣብ ናይ ዓለምና መርበብ ንግዲ ንኸይሳተፉ ከልኪላቶ። ኩለን ኣምጻእትን ለኣኽትን ናይ ብሕቲ ትካላት ከኣ ከምዝዕጸዋ ተገይሩ። ንዘቤታዊ ፍርያምነት ጥራይ ምምርዃስ ኣብ ግዜ ነውጺ ኮቪድ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ካልኦት ነዉጽታት’ዉን ዝያዳ ንድኽነትን ጥምየትን ቅሉዕ እዩ ዝገብረካ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ደርቂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ሓደ ግዜ ከምዘጋጥም ይግመት (Ndehedehe et al., 2020)። ኣብ ላዕሊ ከምዝጠቐስክዎ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ንወራር ኣንበጣ’ዉን ቅሉዓት እየን። እዚታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንዜበታዊ ቁጠባታት እዘን ድኻታት ሃገራት (ብፍላይ ከኣ እቲ ካብ ናይ መንግስታዊ ትካላት ዝያዳ ስሉጥን ጽፉፍን ዝኾነ ናይ ብሕቲ ትካላት) ብጽፉፍ መንገዲ ምስ ናይ ዓለምና መርበብ ንግዲ እንተዘይ ኣዋሲብካዮም፡ እቲ ርእሰ-ምርኮሳ ዝብል ኣምር ካብ መኽሰቡ ክሳርኡ እዩ ዝዓቢ። ስለዚ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዉሕስነት መግቢ ክረጋገጽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ከም እዚኦም ዓይነት ፓሊሲታት ብዙሕ ክድፍኣሎም ኣይግባእን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ ኮሮና ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነጥብታት ዝተመሃርናዮም፡ ኮቪድ ብንግዲ መግቢ ከምዘይመሓላልፍ እዩ። ኣብ ግዜ ዉሽባ፡ ዓለም-ለኸ ሰንሰለት ቀረብ መግብታት (Global Food Supply Chains)፡ ካብቶም ዘቤታዉያን ሰንሰለታት ብዝሓሸ መንገዲ ነጢፎምን ዝያዳ ዉሑሳት’ዉን ነይሮም (Reardon et al., 2020)። ዓለም-ለኸ ሰንሰለት ቀረብ መግቢ ብምዕቡል መሳለጥያታት ክካየዱ እንከለዉ፡ ዜበታዉያን ሰንሰለታት ግን፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ብጉልበት ሰብን እንስሳታትን ብነኣሽቱ ተሽከርከርትን ኢዩ ዝካየድ። ብሰንኪ እዚ ድማ ዜቤታዉያን ሰንሰለት ምቕራብ መግቢ ዝያዳ ንኮቪድ መተሓላለፍቲ ነይሮም። 

  1. ባህርያዉያንን ሰብ ዝሰርሖምን ነውጽታትት ንምምካት ስሉጥን ምዕቡልን ዜበታዊ ዕዳጋትት የድልይ። 

 ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ፡ መስርሕ ምፍራይን ምዝርጋሕን መግቢ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብልምዳዉን ጥንታዉን መንገዲ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ልምዳዉያን ኣገባባት ከኣ ንነዉጺ ቅሉዓት እዮም። ስለዚ፡ ንሕጽረት ምዕቡል መሳርሒታት ሕጽረት ኤለትሪክ ተወሲኽዎ፡ ድኻታት ሃገራት፡ ብቐሊሉ ዝበላሸዉ ዓይነት መግብታት ኣብ ምዝርጋሕን ምዕቃብን ብኸቢድ ይሽገራ። ምዕቃብን ቅልጡፍ ምዝርጋሕን ዓሳ፡ ስጋ፡ ጸባን ዉጽኢት ጸባን፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ምዕቡላት ትሕተቕርጺ ናይ ሰንሰለታዊ-ምዝርጋሕ መግብን ምዕቡላት ዕዳጋታትን የድልዩ። እዞም ዓይነታት መግቢ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ስለዝበላሸዉ፡ ምስተሓፍሱ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኣህለኽቲ ክበጽሑ ኣለዎም። ስለዚ ድኻታት ሃገራት ከም በዓል ኤርትራ፡ ሰፊሕ ናይ ዓሳን መጓሰን ዕድላት እኳ እንተሃለወን፡ ብሰንኪ ልምዳዊ ኣገባብ ምፍራይ፡ ምዝርጋሕን ምዕቃብን ተበላሸውቲ መግብታት፡ ዜጋታተን ነዚ ዕድላት ብዝግባእ ክጥቀምሉ ኣይከኣሉን ዘለዉ። ስለዚ ሰንሰለት-ቀረብ መግቢ ካብ ልምዳዊ ናብ ዘመናዊ ክሰጋገር ኣለዎ (ብፍላይ ከኣ ንቐልጢፎም ዝበላሸዉ ዓይነታት መግቢ)። ብተወሳኺ’ዉን ድኻታት ሃገራት ዕዳጋታተን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝሑላትን ብዙሓት ናይ ምምሕዳራዊ መቆጻጸሪ ኣፍደገታት ከምዝሓልፉ እዮም ዝግበሩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ንምዝርጋሕን ምሻጥን መግብታት ከኣ ካብ ዓቀን ንላዕሊ የዛሕትልዎ። ብዝሕን ንዉሓትን ምምሕዳራዊ መስርሓት ብዝተኻእለ መጠን ክንከዩ ኣለዎም። ብምዕቡል ኣገባባት’ውን ክትክኡ ይግብኦም። ጽርየት’ዉን ኣገዳሲ እዩ። መስርሕ ምፍራይን ምዝርጋሕን መግቢ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግቡእ ጽርየት ኣይረክብን እዩ። ብሰንኪ ምጉዳል ጽርየት፡ መስርሕ ምፍራይን ምዝርጋሕን መግቢ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምንጪ ዝተፈላለዩ ብቐሊሉ ክዉገዱ ዝኽእሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኮይኖም ንረኽቦም። ስለዚ ኩነታት ጽሬት ክመሓየሽ ኣለዎ።  

ዕዳጋታት፡ ጥዕናን ዕሩይ ኣመጋግባን ኣገልግሎት ንኽህባ ዘኽእለን ፖሊሲታት ክሕንጸጹ ኣለዎም። ንኣብነት፡ እተን ዝርገሐኤን ብናህሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከም በዓል እንዳ ፓስተ፥ ከምኡ’ዉን ዘይትን ሽኮርን ዝበዝሖም ቅልጡፋት መግብታትን መስተን (fast-foods and sodas) ዘቕርባ ዜበታዉያንን ዓለምለኽ ዝርገሐ ዘለወን ከም በዓል ማክዶናልድስ፡ ከንታኪ ፋራድ ቺክን (kfc) ብዝተኻለ መጠን ቁጽጽር ክግበረለን ኣለዎ።  

  1. ማሕበራውያን ድሕነታት ክድገፉን ክስስኑን ኣለዎም።  

“ብጀካ ሞትን ግብርን ካልእ ርግጸኛ ነገር የለን” ድዮ ዝብሃል፡ ድኻታት ሃገራት’ዉን ይንዋሕ ይሕጸር ሰብ ዝሰርሖ ወይ ባህርያዊ ነውጺ ከምዘጋጥመን ርግጽ እዩ። ብፍላይ ከኣ እተን ኣብ ትሕተ-ሳህራን ሳሕልን ዝበሃሉ ዞባታት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም በዓል ኤርትራ፡ ንደርቂ፡ ዋሕዲ ዝናብን፡ ወራር ኣንበጣ፡ ፓለቲካዉ ናዕብን ኩናትን ቅሉዓት እየን። ስለዚ ኣድማዒ ዝኾነ ማሕበራዊ ድጋፍን ዉሕስነትን ክምስረት ከቢድ እዩ። እዚ ይኹን እምበር ማሕበራዉያን ድሕነታት ክድገፍን ክስስኑን ኣለዎም። ንድኻታት ስድራቤታት ብፍላይ ማሕበራዊ ደገፍ ወሳኒ እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ንድኻታት ሃገራት ናይ ሂወት ኣድሕን ሓገዝ ክህብ ኣለዎ። ድኻታት ሃገራት ከኣ ሓንጎፋይ ኢለን ክቕበለኦን ብምዕሩይ መንገዲ ናብቲ ዝግብኦ ሕብረተሰብ ከካፍልኦን ኣለወን።  

  1. ምስ ተፈጥሮ ዝሰማማዕ ሕርሻዊ ንጥፈታት ክተግበር ኣለዎ።  

ታሪኽ እንተተወኪስና፡ መብዛሕትኦም ለበዳታት ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝነቐሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኮቪድ-19 (Covid-19)፡ ኢቦላ (Ebola)፡ ሳርስን (SARS) መርስን (MERS) ካብ መንካዕ ከምዝመንጨዉ ይንገር። እንስሳ ዘቤት’ዉን ከም መሰጋገሪታትን መመንጨዉትን ኮይኖእ የገልግሉ እዮም። ንኣብነት፡ ንኒፓህ (Nipah) ሓሰማ፡ ንመርስ (MERS) ከኣ ገመል። ብፍላይ ምስፍሕፋሕ ሕርሻን ካልኦት ንጥፈታት ደቂ-ሰብን ናብ ሰብ ተንኪፍዎም ዘይፈልጥ ድንግል ባህርያዉያን ጫካታት ሓድሽ ለበዳ ከስዕብ ይኽእል። ጽዑቕ ንጥፈታት ሕርሻ እንሳሳ ምስ ትሑት ደረጃ ጽሬት’ዉን ንለበዳ ቅሉዕ ይገብር። ካብቲ ዘሎ ናይ ሕርሻ መሬት ዝያዳ ምህርቲ ክትረክብ ምፍታን።ሓድሽ ቴክኖሎጂ ምትእትታዉ። ኣብ ኤርትራ ክረምቲ ሓጺር’ዩ፡ ዝናብ’ዉን ርጡብ ኣይኮነን። ነዚ ንምብዳህ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፈርዩን ንደርቂ ዝጻወሩን ዘራእቲ ምትእትታዉ የድሊ። ከምኡ’ውን ከምቲ መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ዲጋታትን ራህያታትን ምስራሕን ፍግረ መሬት ምፍዋስን ኣብ ምዉሓስ መግቢ ዓብይ ተራ ክጻወት ይኽእል። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ እኹል ትሕተባይታዊ ማይ ስለዘሎ ብዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዒላታት ብምኹዓትን ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ብምስፋሕን ኣብ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽን ቁጠባዊ ምምሕያሽን ዓቢ ተራ ክህልዎ ይኽእል እዩ። 

  1. መደምደምታ 

ኣብ’ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ብምልዓል፡ ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓትን ውሕስነትን መግቢ ከበድቲ ሃስያታት ከምዝገበረን ይገብር ከምዘሎን ርኢና። እቲ ኣሉታዊ ጽልዋታት ዝያዳ ኣብተን ኤርትራ እትርከበን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ናይ ትሕተ-ሰሃራ ሃገራት ስለምንታይ ከም ዝብርትዐ ብመጠኑ ኣብሪሀ። ጽልዉኡ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ምዃኑ’ዉን ገሊጸ። ተጻዋርነት ናይ ስርዓተ-መግቢ – ንሰብ ዝሰርሖምን ባህርያዉያን ነዉጽታት – ብኸመይ ክብ ክብል ከምዝኽእል’ዉን ጠቒሰ። ብፍላይ ከኣ እተን ኤርትራ እትርከበን ናይ ትሕተ-ሰሃራን ሳሕልን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ (ለበዳታት ኣንበጣ፡ ፓለቲካዊ ቅልዉላዉን ደርቂን ዝያዳ ኣብዚ ዞባ ስለ ዝረኣዩ)፡ ብዙሕ ጻዕርታትን ካብ ሃብታማት ሃገራት ሓገዝን ከምዘድልየን ገሊጸ ኣለኹ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ኩሉ ዘብለጭልጭ ወርቂ ኣይኮነን’ ከምዝብሃል፡ ኣንጸባረቕቲ ርድኢታት ብዛዕባ ኣመኻኽታ ሕጽረት መግብን ድኽነትን ኩሉ ግዜ ቅኑዓት ከምዘይኮኑ፡ እኳደኣ ንከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ነዉጽታት ዝያዳ ቅሉዕ ከምዝገብሩኻ ኣብሪሀ ኣለኹ። ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ ንሓደሽትን ዘመናዉያንን ተክኖሎጂታት ምድፋእ፡ ንልምዳዉያንን ጥንታዉያንን ኣገባባት መፍረን ምዝርጋሕን መግቢ ምስፋሕፋሕ። ብስም ርእሰ-ምርኮሳ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ኣመኽኒኻ ካብ መርበብ ንግዲ ዓለም-ለኸ ምግላልን ናይ ብሕታውያን ኣምጻእትን ለእኽትን ትካላት ምድስካልን። ከም እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፓሊስታት ግን ክንክዩ እዩ ዘለዎም። 

ምስጋና 

ንዝገበረለካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ። ነዚ ጽሑፍ እዚ ከዳሉ ብዙሓት ሰባት ደገፍ ገይሮምለይ ኦዮም። ብዕሊ ከኣ ይነግረሎም ኣለኹ። እዛ ጽሕፍቲ ኣነ እኳ እንተጠነስክዋ፡ ብሓሳባት ዶ/ር ያቆብ ኣብርሀ እያ ተሓሪሳ። „እዚ ኣብ ኤሪ-ፓወር (Eri-Power) ዘቕረብካዮ መደረ ንብዙሓት ከገድስ ስለዝኽእል‘ሲ፡ ገለ ክፋሉ ናብ ጽሑፍ ዘይትቕይሮ?!“ ኢሉ አማኺሩኒ ። እንታይ ክግበር ኣያኻ፡ መምህርካን ናይ ወትሩ እሙን ኣማኻሪኻን ግበር እንተ ኢሉካ ብዘይካ ምግባር ካልእ ኣማራጺ ስለዘየለ፡ ነዛ ጽሑፍቲ ኣዳልየያ። ስነፍልጠታዊ ጽሑፍ ብትግርኛ ከተዳሉ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከምዝምኮር ስለዝገበርካ፡ የቐንየልይ መምህረይ። ድኻም ግን ወዲእካና ኢኻ። ብተወሳኺ ዶ/ር ዳንኤል ጸጋይን ዶ/ር ተኽሉ ኪዳነን ነቲ ዋሓለ ጻህያይ-ናይ-ምጽሃይ ክእለትኩም አመስግን።  

መወከጺ ጽሑፋት 

Ayanlade, A., Radeny, M., 2020. COVID-19 and food security in Sub-Saharan Africa: implications of lockdown during agricultural planting seasons. npj Sci Food 4, 13. https://doi.org/10.1038/s41538-020-00073-0 

Devi, S., 2020. Locust swarms in East Africa could be “a catastrophe.” The Lancet 395, 547. https://doi.org/10.1016/S0140-6736(20)30406-2 

FAO, IFAD, UNICEF, WFP, WHO, 2022. The State of Food Security and Nutrition in the World 2022: Repurposing food and agricultural policies to make healthy diets more affordable, The State of Food Security and Nutrition in the World (SOFI). FAO, IFAD, UNICEF, WFP, WHO, Rome, Italy. https://doi.org/10.4060/cc0639en 

FAO, IFPRI, WFP, 2022. Global Report on Food Crises 2022: Joint Analysis for Better Decisions. FAO, Rome, Italy. 

Gern, K.-J., Lück, O., Meuchelböck, S., 2021. Covid-19 in Africa and its impact on the economy. Kiel Policy Brief 158. 

Hossain, M., 2021. Unequal experience of COVID-induced remote schooling in four developing countries. International Journal of Educational Development 85, 102446. https://doi.org/10.1016/j.ijedudev.2021.102446 

Kubinec, R., Barceló, J., Goldszmidt, R., Grujic, V., Schenk, C., Cheng, C., Hale, T., Hartnett, A.S., Messerschmidt, L., Petherick, A., Thorvaldsdottir, S., 2021. Cross-National Measures of the Intensity of COVID-19 Public Health Policies. https://doi.org/10.31235/osf.io/rn9xk 

Kumar, N., 2020. COVID 19 era: a beginning of upsurge in unwanted pregnancies, unmet need for contraception and other women related issues. The European Journal of Contraception & Reproductive Health Care 25, 323–325. https://doi.org/10.1080/13625187.2020.1777398 

Musavengane, R., Leonard, L., 2022. COVID-19 impacts on tourism: Southern Africa’s experiences. Development Southern Africa 39, 1–2. https://doi.org/10.1080/0376835X.2021.2018995 

Ndehedehe, C.E., Agutu, N.O., Ferreira, V.G., Getirana, A., 2020. Evolutionary drought patterns over the Sahel and their teleconnections with low frequency climate oscillations. Atmospheric Research 233, 104700. https://doi.org/10.1016/j.atmosres.2019.104700 

Nordling, L., 2020. The pandemic appears to have spared Africa so far. Scientists are struggling to explain why. URL https://www.science.org/content/article/pandemic-appears-have-spared-africa-so-far-scientists-are-struggling-explain-why (accessed 7.8.22). 

Reardon, T., Bellemare, M.F., Zilberman, D., 2020. How COVID-19 may disrupt food supply chains in developing countries, in: IFPRI Book Chapters. International Food Policy Research Institute (IFPRI), pp. 78–80. 

Ritchie, H., Mathieu, E., Rodés-Guirao, L., Appel, C., Giattino, C., Ortiz-Ospina, E., Hasell, J., Macdonald, B., Beltekian, D., Roser, M., 2022. Coronavirus pandemic (COVID-19). Our World in Data. 

Thelwell, K., 2019. Top 10 Facts About Hunger in Eritrea [WWW Document]. The Borgen Project. URL https://borgenproject.org/top-10-facts-about-hunger-in-eritrea/ (accessed 7.8.22). 

World Vision, 2021. COVID-19 and Child Marriage: How COVID-19’s Impact on Hunger and Education is Forcing Children into Marriage.